ናይ ቤት ንባብ መጽሓፍቲ ካርድ

ካብ ቤት ንባብ መጻሕፍቲ ንክትልቓሕ ካርድ ክህልወካ ኣለዎ። ናይ ቤት ንባብ መጽሓፍቲ ካርድ ብነጻ ይወሃበካ።

ነዛ ካርድ ንምውጻእ መንነት ታሴራ የድልየካ። ናይ ዛ ካርድ ተሓታትነት ትወስድ ከመኡ ውን ንውልቕኻ ጥራይ ትጥቐመላ። ካርድካ ምስ ዝጠፍኣካ ክተመልክት ኣለካ ምኽንያቱ ካልእት ሰባት ብስምካ ክልቑሕላ ስለ ዝኽእሉ። ንካላይ ግዜ ሓድሽ ካርድ ምስ ትደሊ ግን 20 ክሮነር ትኸፍል።

ናይቲ ትልቕሖ ዘለኻ ተሓታትነት ስለ ዘለካ ባዕልኻ ኣብ ግዚኡ ክትመልሶ ኣለካ። ካብ ግዚኡ አንተ ኣሕሊፍካ ግን ክፍሊት ኣለዎ። ንሓንቲ መጽሓፍ ንሓደ መዓልቲ ሓደ ክሮና ይሓስብ።

ነቶም ትልቕሖም ዘለኻ ንብረት ጥንቑቕ ክትከውን ኣለካ። ንከይ ስበርን ንከይ ጥልቕን ጥንቑቕ ኩን። ኣብ መጽሓፍቲ ክትጽሕፍ ኣይፍቐድን አዩ። እቲ ዝተለቓሕካዮ ንብረት ተጥፊእካዮ ወይ ብሓደጋ ኣባላሺኻዮ ክትከፍለሉ ኢኻ።

ቖልዑ ካብ ደቒ 6 ዓመት ናይ ቤት ንባብ መጽሓፍቲ ካርድ ክሕዙ ይፍቕዶም እዩ። ወለዲ ነቲ ፎሩም መሊኦም ናብ ቤት ንባብ ከምጽዎ ኣለዎም።

Söderhamns kommun, 826 80 Söderhamn

0270-75000

info@soderhamn.se

© Copyright 2017 informationsoderhamn.se